ጉጅለ ጸሎት
በብከባቢኡ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ፣ ኩሎም ኣባላት በብጉጅልኦም ዝገብርዎ ናይ ጸሎት ግዜ ኣሎና፣፣ ስለ ውልቀሰባትን፣ ሃገርናን ከምኡውን ስለ ሃገረ ኣመሪካን ድማ ጎይታ ከም ዝረድኣና መጠን ንጽሊ፣፣ በዚ ኣገልግሎት ክትሓብሩና እሞ ስለ ህዝብናን ሃገርናን እውን ክንማልድ እዋኑ እዩ እሞ፣ ክትሓብሩና ደጌና ኩሉ ግዜ ርሑው እዩ፣፣
ትምህርቲ ሰንበት ንህጻናት
ህጻናት ደቅና፣ ከም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ መጠን፣ እቲ ከም ወለዲ ከነውርሶምን ካብ ወለዶም ድማ ክመሃርዎን እንደልዮ ብፈሪሃ ኣምላኽ ምምልላስን ባህሎምን ክብርታቶምን ንምሕላውን መታን ክኽእሉ፣ ቤተክርስትያንና ከም ሓላፍነታ ወሲዳ እትዋስኣሉ ባይታ እዩ፣፣ በዚ መሰረት ድማ፣ ኩሉ ግዜ ሰንበት፣ ትግርኛን ኢንግልዝኛን ብዝመልኩ መምህራን ኣቢላ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን መዛሙር ትግርኛን ዛንታታት ትግርኛን ብምምሃር ተገልግል፣፣
ደቀንስትዮ
ኣባላት ጉጅለ መዘምራን፣ ጎይታ ብዝሃቦም ጸጋ ኣገልግሎት፣ ብኹሉ ቅኒትን ዜማን ፣ ነቲ ስልጡን ኣምላኽ ብዝግባእ ኣምልኾ ብመሳርያ ሙዚክ ተሰንዮም፣ ኣብቲ ልሙድ ናይ ሰንበት ኣገልግሎትና ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮንፈረንሳት፣ ንማሕበር ኣምላኽ ብኣምልኾ ዝመርሑ ኣሕዋት እዮም፣፣ ኩሉ ግዜ ከየብኮሩ በዚ ኣገልግሎት እዚ ተጊሆም ከኣ የገልግሉ፣፣
መንእሰያት
መንእሰያትና ድማ ኣብ ኩሉ ኣገልግሎታት ማሕበር ተዋሳእቲ ኮይኖም፣ ብኹሉ ትግሃት ድማ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን የገልግሉ፣፣ ርእሱ ዝኸኣለ ናቶም ጥርናፈ ጌሮም፣ ነንሕድሕዶም ኣብ ምትህንናጽን ወንጌል ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕን ካልእ ኣብ ክርስትና ዝተሞርከሰ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ንኣረገውቲ ንጽጉማት ንምሕጋዝ ዝኣመሰሉን ንምስታፍ ዝሕግዞም ውህደት ንምፍጣር ይእምቱ
መዘምራን
ኣባላት ጉጅለ መዘምራን፣ ጎይታ ብዝሃቦም ጸጋ ኣገልግሎት፣ ብኹሉ ቅኒትን ዜማን ፣ ነቲ ስልጡን ኣምላኽ ብዝግባእ ኣምልኾ ብመሳርያ ሙዚክ ተሰንዮም፣ ኣብቲ ልሙድ ናይ ሰንበት ኣገልግሎትና ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮንፈረንሳት፣ ንማሕበር ኣምላኽ ብኣምልኾ ዝመርሑ ኣሕዋት እዮም፣፣ ኩሉ ግዜ ከየብኮሩ በዚ ኣገልግሎት እዚ ተጊሆም ከኣ የገልግሉ፣፣
ሽማግለታትን ዲያቆናትን
ኣብ ምሕደራን ምእላይን ማሕበር ብሓላፍነት ዘገልግሉ ውፉያት
ሕዋት ዘለዎ ክፍሊ ኣገልግሎትና ኮይኑ፣ ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ምሕደራ ቤተክርስትያን ከም ሕጋውያን ተወከልቲ ኮይኖም፣ ኣብ ዝግበሩልሙድ ኣገልግሎታትና ከኣ መሪሕ ተራ ሒዞም ንማሕበር ክርስቶስ ዝኣልዩ ኣሕዋት እዮም፣፣