top of page

እዋናዊ መልእኽቲ

ዘለኣለማዊ ህይወት ንዝደልዩ

     መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ኣሎ ፡ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብለና “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ ፡ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ” (ወንጌል ዮሃንስ 11፡25) ። ሎሚ ህዝቢ ዓለም ብብዙሕ ነገር ትሑዝ /busy/ እዩ ፡ ብዘይካ ዋኒን ገዛእ ርእሱ ዳርጋ ካልእ ዘገድሶ ኣይመስል። ብዛዕባ ሓዉ ኣየገድሶን እዩ ፡ ዓመጻ በዚሑ ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ድማ ዝሒሉ ። እዚ ኸኣ ምልክት ምምላስ የሱስ ክርስቶስ እዩ ፡ የሱስ ክምለስ እዩ ፡ ንኹሉ ድማ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ ፡ እዚ ቓል’ዚ ክፍጸም ግድንዩ ፡ ስለዚ የሱስ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና ፡ ከምዚ ኸኣ ይብል “ስለዚ ወዲሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ ።” (ወንጌል ማቴዎስ 24፡44)። እምበኣኣርሲ ምስ የሱስ ህይወት ዘለኣለም ክህልወና ፡ ንየሱስ ከም መድሓኒ ህይወትና ንቀበሎ ፡ ብትንሳኤ ምውታት ድማ ከተንስኣና እዩ ። እወ ቃሉ ከምዚ ይብል “ብጎይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም” (ግብሪ ሃዋርያት 16፡31) ። 

       እምበኣርሲ ክንድሕን እንተኾይንና ፡ ዘለኣኣለማዊ ህይወት ክንረክብ ፡ ሎሚ ብጎይታና የሱስ ንእመን ፡ ንየሱስ ናብ ህይወትና ንዓ ንበሎ ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ልብና ምሳና ክኸውን እዩ ። “ሎሚ ድሓን ፡ ጽባሕ ግን ንጎይታ ክስዕቦ እየ” ኣይንበል ፡ ምኽንያቱ እታ መዓልቲ ምድሓን ሎሚ እያ ። እምበኣርስ ከምዚ ኢልና ንጸሊ “ ዎ ጎይታ የሱስ ህይወተይ ከተድሕና እልምነካ ኣለኹ ፡ ናይ ህይወተይ ንጉስ ንስኻ ኩን ፡ ንስኻ በይንኻ ግዝኣኒ ፡ ምርሓኒ ፡፡ ጎይታ የሱስ ይኣምነካ ኣለኹ ፡ ህይወተይ ተረከባ ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣኣለም መገድኻ ምርሓኒ ፡ ደግፈኒ ፡ ካብ ሓጢኣተይ ብደምካ ሕጸበኒ ። ናብ ህይወተይ ንዓ ፡ ናብ ቤተይ እቶ ። ክብሪ እህበካ ኣለኹ ፡ ተመስገን ፡ ክብሪ ንስምካ ፡ ብልበይ ይኣምነካ ኣለኹ ። ኣሜን” ። እምበኣርሲ ጎይታ ነዚ ዝጸለናዮ ሰሚዕዎ ኣሎ ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኢና ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ፡ ንቓሉ ነንብብ ፡ ንመጀመሪ ክኾነና ወንጌል ዮሃንስ ነንብብ ። ምስቶም ንየሱስ ዝስዕቡ ንሕበር ኢና ፡ ምስኣቶም ንዘራረብ ፡ የዕሩኽትና ንግበሮም ፡ ብኹሉ ንጠንቀቕ ። ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ይባርኽኩም ። 

ምሕረቱ ንዘልኣለም እዩ።

ምሕረቱ ንዘልኣለም እዩ።

© 2015 ብሓልዮት ረሓቦት ሜድያ ሚኒስትሪ ዝተዳለወWix.com

ሕጂስ እግዚኣብሄር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ ሃገር ክንፋረ ኢና፡ ኢሉ ከኣ ስሙ ረሓቦት ኣውጽኣሉ። ዘፍ 26፣22

bottom of page